ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ቤተሰባዊ ናይ ፖለቲካ
ኣተሓሳስባን ትግባርኡን ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘለናዮ ዘመን እናቐፀለን ሽርሕታቱ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐየረ
ከም ዝመፀ ይፍለጥ፣፣
እዚ ኣማራፂ’ዚ ድማ ገዛእቲ ይጠቕመና
እዩ ብምባል ኣብ ስራሕ የውዕልዎ ከምዝነበሩን ሕዚ .ዉን እቲ ሕማቕ ታሪኽ እናደገምዎ ይርከቡ፣፣ ብዝምድና፤ ብመብስቦ፤ ብወዲ ዓዲነት
ብዝኣምሰሉ ነገራት ተኣሳሲሮም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ስልጣን
መሳልል ኣብ ወታደራዊ፤ ፀጥታን ስለላን መዋቕራት ውሽጢ ቁልፊ ዝኾኑ ቦታታት ክሕዙ ይግበር ከምዝነበረ ሕዚ.ውን ይቕፅል ከምዘሎ
ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፣፣
ካብዚ ወፃኢ ድማ ኣብ ወተሃደራውን ናይ ስቪል ቢሮ ክራሲ ሓለፍቲ ካብ ብቕዓትን ፃዕርን ዝተደርበዩ ሰባት
ነቲ ስርዓት ናይ ተኣማንነትን ሕሽክርናን ረቛሒ ዘማልኡ ውልቀ ሰባትን ነቲ ሓላፊ ናይ ስጋ ዝምድና ዘለዎምን ኣብ ናይ ስልጣን ወንበር
ኮፍ ክብሉ ባይታታት ክመቻቸወሎም ንርኢ ኢና፣፣ ገዛእቲ ነዚ ኣካይዳ ክጥቀምሉ ዝሃቀንሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ’ቲ መንግስቲ
( ስርዓት ) ውሽጢ ፀገማት እንተተፈጢሮም እኳ ብቑልጡፍ ኣፈላላዮም ኣፅቢቦም ስርዓቱ ንቕድሚት ንክቕፅል ብዝብል ኣጉል ኣተሓሳስባ
እዩ፣፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ትግራይ መሳፍንቲ ምስ ናይ ጎንደርን ጎጃምን መሳፍንቲ፤ ናይ ሽዋ መሳፍንቲ ምስ ናይ ትግራይን ጎንደርን
መሳፍንቲ ብናይ መብስቦ ርክባት ዝምድነኦም የጠናኽርዎ ከምዝነበሩ ናይ ታርኽ መዛግብቲ ይጥቕሱ፣፣
ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ገና ኣብ በረኻ
እንከሎ ናይ ውሽጡ ኣጀንዳ ብምሕባእ ንህዝቢ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናመገበ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ድሮ 1983ዓ/ም እቲ ሕቡእ ኣጀንድኡ
ኣውፂኡ ምስራሕ ካብ ዝጅምር 23 ዓመታት ኣቁፂሩ ኣሎ፣፣
ሃገርና ኢትዩጵያ ብብሄርን ብቋንቋን ኸፋፊሉ ብወዲ ዓዲነትን ብወዲ ሩባን እናፈላለየ
ንተግባራዊነቱ ድማ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣጣናኺሩ እናሰረሓሉ ይረከብ፣፣ እዚ ክገብር ዝኻኣለ ድማ ንምምሕዳራዊ መዋቕር ኣሳልጦ ብዝብል ኮይኑ ንህዝብና ናብ ዝባኣሰ ድኽነት እናእተዎ ይርከብ፣፣
ስርዓት ወያነ ብሞኖፖል ካብ ዘማሓድሮ ናይ ሃገርን ህዝብን ሃፍቲ ብፅሒቶም ንምውሳድ ብዝብል ንናቱ ኣተሓሳስባን
ትግባረን ዝኽተሉን ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ካብ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ መነባብሮ ብዝበለፀ ሂወቶም ንክመርሑ እናገበሮም
ይርከብ፣፣
ሓደ ብዓል ስልጣን ካብ ክእለቱ ንላዕሊ
ካብ ዝረኽቦ መሃያ ብተወሳኺ ክፍሊት ዘይገብረሎም ናይ መንግስቲ ገዛውቲ፤ ሞዴል ናይ እግሪ መካይን፤ ነፃ ኣገልግሎት ጥዕና፤ ነፃ
ናይ መብራህትን ማይን ከምኡ.ውን ናብ ወፃኢ ሃገር እንትኸዱ ናይ
ውዕሎ ኣበል ብዝብል ካብ ዓቐን ንላዕሊ ገንዘብ ክግሕጡ ዝግበር ካብ ስድራቤታዊን ናይ ሓዳር ዝምድና ምትእስሳርን ስለ ዘለዎም.ዳኣ
እምበር ካብ ካሊእ ሰብ ወይ ዜጋ በሊፆም ኣይኮኑን፣፣
እዚ ናይ ወያነ-ኢህወዴግ ሓደገኛ ዝኾነ
ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ ንሃገርና ኢትዮጵያ ገና ሀ ኢሎም ስልጣኖም ምስጨበጡ ንወልቀ ጥቕሞም ከምዝሰርሑ ኣእምርኦም ስለዘእመንዎ። ነዚ ኣተሓሳስብኦምን
ትግባረኦምን ሪኡ ዝነቅፍ ውልቀ ሰብ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ከይተረፈ ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱን ካብኡ ሓሊፎም እናቐተሉን እንጥፍእዎን
መፂኦምን ኣለውን፣፣
ኣተሓሳስባ ናይቲ ስርዓት ምስ ናይ ስታሊን
ኣተሓሳስባ ዘራኽቦም እንተሃለወ’ኳ ብፍላይ ሕዚ ድማ ናብ ዝባኣሰ ቤተሰባዊ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባን ትግባርኡን ምቕያሩ ንዓና ንኢትዮጵያዊያን
ክገርመናን ክደንቐናን ኣይግባእን፣ ምኽንያቱ ንሕና ኢትዮጵያዊያን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ኣብራኽና ዝወፁ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ክንሳቐን
ክንስደድን ዝፀናሕና ህዝብታት ስለዝኾንና ሕዚ.ውን እዞም መራሕቲ ሰብኣዊነት ተሰሚዕዎም ምጥሓስ መሰላት ናይ ህዝቢ ክገድፍዎ እዮም
ምባል “ ካብ እንቋቆሖ ተመን ርግቢት ምፅባይ “ ማለት እዩ፣፣
ከም’ዚ ዓይነት ፀረ-ዴሞክራሲ ናይ ፖለቲካ ሒሳብቦም ብቓልሲ ከም ዝፍታሕ ታሪኽ ኣምሂሩና ስለዝሓለፈ ሕዚ’ውን
ናይ ሃገርና ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ብማዕርነት፤ ብምክእኣል፤ ብሰላምን ብልፅግናን ተኣሳሲሮም ክቕፅልሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ንምስኻዕ
እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንምፍላጥ ምንጋር ዘድልዩ ኣይኮነን፣፣
ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽናን ተሞኩሮናን ተማሂርና ሕዚ’ውን ከም ናይ ትማሊ ንሓርነትናን ንመሰልናን ክንብል
ኣብ ሃገርና ዘሎ ዝኸፈአ ናይ ኢህወዴግ ናይ ዝምድና ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ንምጥፋእ ነካይዶ ንዘለና ቃልስ ኣጣናኺርና ኣብ ሽታኡ ክነብፅሖ
ይግባእ፣፣