ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሑመራ ንዝርከቡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ “እቶት” ዝተብሃለ ናይ መንግስቲ ትካል ሓደ በዓል ሃፍቲ 100 ኩንታል እንተፍርዩ በታ ዝረኸባ ናይ 100
ኩንታል ክኸፍል እናተገብኦ ብዘይ ዝኾነ መፅናዕቲ 200 ኩንታል ረኺብኩም ብዝብል ጥርጠራ ናይ 200 ኩንታል ቀረፅ ካብ ዓቕሞም
ንላዕሊ ክኸፍሉ ብምግዳድ ናብ ዘይተደለየ ዕዳ ይዳርጎም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣
በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ እተን ረሃፅና ኣፍሲስና
ዝረኸብናየን ፍርያት ተመሊሱ ኣምፅእወን ዝብለና እንተኾይኑ ጠቕላላ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ክብሉ መረረቶም ይገልፁ ከም ዘለው
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣፣