Friday, August 1, 2014

ሰበስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ትራኸቡ ኣለኹም ብዝብል ምኽኒት ብ17 ሓምለ 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ንፁሃት መናእሰይ ከም ዝኣሰሩ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብ 2007 ዓ/ም ንዘካይዶ ምስሉይ ምርጫ ብተቓወምቲ ዉድባት ከይሰዓር ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ምንጭታትና ነቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ንምግታእን ንምቁፅፃርን ናብ ኩሉ ከባብታት ብፋላይ ድማ ናብ ከተማታት ወተሃደራት፤ ፖላዊስን ድህንነትን ብምዉፋር ብዓይኒ ጥርጣረ ንዝረኣዮም ንፁሃት መናእሰይ ምስ ተቓወምቲ ተራኺብኩምን ተሓባቢርኩምን ብዝብል ጠቐነ ብኣልማሚት ኣብ ምእሳር ተፀሚዱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

ካብቶም ምንም በደል ዘየብሎም ዝተኣስሩ ንፁሃት መናእሰይ ተምሃሮ ንምጥቃስ፦ ምስጋናዉ ተካልኝ፤ ፀጋይ ምሕረትኣብ፤ ሻሸምኔ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ምእሳሮም ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም፣፣