Thursday, August 7, 2014

ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ መተማ ፍሉይ ቦታ ኣብራ ጅራ ከባቢ ብሽም ኢንቨስተር ተዋፊሮም ዝርከቡ ተለኣኣኽቲ ስርዓት ኢህወዴግ ብዘይ ምንም ክፍሊት ጉልበት ህዝቢ ይምዝምዙ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ገሊፆም።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ መተማ ከባቢ ኣብራጂራ “ደለሎ ቁፅሪ ሓደ” ብሽም ስራሕ ሕርሻ ተወዲቦም ሰፊሕ ልሙዕ መሬት እቲ ከባቢ ተቖፃፂሮም ዝርከቡ ብረብሓን ጥቕማጥቕምን ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ጥቡቕ ምትእስሳር ፈጢሮም ዘለዉ ተለኣኣኽቲ ዝኾኑ ኢንቨስተራት ነቲ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ኢሎም ዘእተዉዎ ዜጋ ጉልበትን ፍልጠቱን ይምዝምዝዎ ምህላዎም ምንጭታትና ኣፍሊጦም።

ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እዞም ብሽም ኢንቨስተራት ዝተኣኸኸቡ ኮራኹር ካድረታት እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ጉልበት ድኻ ህዝቢ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ኢሎም ኣስሪሖም ብዘይ ምንም ክፍሊት እናደብደቡ የባርርዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት ሓድነት ንኸይፍጠር ብብሄር ከፋፊሎም ባዕሎም ንባዕሎም እናናቖቱ ከም ዝርከቡን ብሰንኩ’ዉን ተወለድቲ ሑመራን ቋራን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ንሞት ከም ዝተቃልዑ ኣፍሊጡ።