Thursday, August 7, 2014

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ቤተሰብ ተቓውምቲ ውድባት ንዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታት ካብ ስረሖም የባርርዎም ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ከባቢ ዝመፀና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ  ሓበሬታ ኣብ ከተማ መኾኒ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብጥዕና መኮነንነት ክተሰርሕ ዝፀንሐት ወ/ሮ ኣልጋነሽ ደስታ ዝተበሃለት ወገን ዝፈፀመቶ ገበን ዘይብላ ሓፍቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና መምህር ኣብረሃ ደስታ ስለ ዝኾነት ጥራሕ ትሰርሐሉ ካብ ዝፀንሐት ሆስፒታል ብሰበ ስልጣን  እታ ወረዳ   ክትእለ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ብጥዕና መኮነንነት ብድግሪ ተመሪቓ ኣብ ከተማ መኾኒ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተመዲባ ክትሰርሕ ምፅንሓ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ኣመሓደርቲ እታ ወረዳ “ሓውኪ ኣሸባሪ ስለ ዝኾነ ንስኺ’ውን ናቱ ተኸታሊት ኢኺ ብምባል ካብ 16 ሓምለ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ናብ ስራሕ ከይትመፂ” ኢሎም ከም ዝኣገድዋ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የረድእ።