Thursday, August 7, 2014

ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ብትእዛዝ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይረብሕ ካሕሳ መሬቶም ንዲያስፖራ ተጋሩ ብዝብል መንጢሎም ይወስድዎ ኣለዉ ክብሉ ገሊፆም።



   ኣብ ዞባ ደብባዊ ምብራቕ ወረዳ እንደርታ ከባቢታት ኣይናለም፤ ዓዲ-ሓን እንዳማርያምን ብሕርሻ ዝናበሩ ሓርስቶት ወገናት ኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ንዲያስፖራ ተጋሩ ክዕደል እዩ እናበሉ መሬትና ኣብ’ዚ እቶ ብዘይበሃል ፍታሕዉነት ብዘይብሉ መታለሊ ካሕሳ ይወስድዎ ኣለዉ ክብሉ ተቓዉምኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ  ኣፍሊጦም።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ መሪሕነት ህወሓት ኢህወዴግ ካብ ወፃኢ ሃፍቲ ኣኻዕቢቶም ንዝመፁ ተጋሩ ክንዲ ዝደለይዎ መሬት ክንህቦም ኢና እናበሉ ብ30 ሰነ 2006 ዓ.ም ሓረስቶት እቲ ከባቢ ንዓመታት  ብሕርሻ መነባብርኦም ክመርሕሉ ንዝፀንሑ መሬት ንረኣይሉና ስምዕሉናን ነቶም ካብ ደገ ዝመፁ ንምሕጓስን ክብሉ ብዘይ ዝኾነ ምርድዳእ ነቲ ድኻ ገባር ኣብ ክወፆ ዘይኽእል ፀገም ይሽምምዎ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ።