ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ከተማታት ኮሰበርን እንጂባራን
ብደመቀ መኮነን፤ ሽፈራው ሽጉጤ፤ ቴወድሮስ ኣድሓኖምን ካብ ዝተፈላልዩ ብሄራት ዝተውፃፅኡን ዝተመርሐ ጉጅለ ብ1 የካቲት 2007
ዓ.ም ብገንዘብ ህዝቢ ዝተሰርሐ ናይ ኣዊ ሓፈሻዊ ሆስፒታልን ከምኡ’ዉን ኣዊ ዩኒቨርስቲ እምነ ኩርናዕ ንምቕማጥን ኣብ ዝተረኸብሉ
እዋን “ኣብ ዝመፅእ መረፃ ልምዓት ከነረጋግፅ ኢና” ዝብል ጭርሖ
ኣብ ዘሰምዑሉ ህዝቢ ድማ ፅርግያ ኮሰበር፤ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጠለብ
መብራህትን ማይን፤ ኣብታ ከተማ ክስራሕ ዝተብሃለ ናይ ውሽጢ ውሽጢ
መፍሰሲ ረሳሕ ማይ ዛጊድ ኣይተተግበረን እቲ ሕዚ ዝብሃል
ዘሎ እዉን ንመረፃ ተባሂሉ ደኣ’ምበር ኣይትግበርን ብምባል ነበርቲ ተቓውሞኦም ከም ዘሰምዑ ተገሊፁ።
እቲ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ዘስገኦ ደመቀ መኮነን ብባዛርን ቴሌቶን ዝተኣከበ
1.6 ሚልዮን ብር ኣብ’ዛ ከተማ ንዘሎ ናይ ውሽጢ ውሽጢ ቢንቶ መፀገኒ ክውዕል እዩ ኢሉ ዋላ’ኳ እንተተዛረበ እቲ ህዝቢ እዚ ከምዚ
ዓይነት መብፅዓ ልሙድ መታላሊ ሜላኹም’ዩ ብምባል ተቓውመኡ ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ።