ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ናይቲ ስርዓት ተኣመንቲ ኮይኖም ከገለግሉ ዝፀንሑ
ኣማሓደርቲ እቲ ሰርዓት ካብ ስርሖም የደስክልዎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብኣቶም ናይ ወረዳ ቁጭ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣይተ
ኣንዱኣለም ኣይሸሸም ግዕዝይና ፈፂሙ ብዝብል ኣመኽንዮም ካብ 16
ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣትሒዞም ካብ ስርሑ ደው ከም ዘበልዎ ከምኡ’ውን ናይ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ከተማ ባምቡሉክ ኣማሓዳሪ
ምኽንያቱ ብዘይተነፀረ ከም ዝተኣገደን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ዜጋታትን
ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ዚገም 4ተ ኣባላት መኢኣድን
ከምኡ’ዉን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ 2ተ መንእስያትን ናይ ኣሸበርቲ ተለኣኣኽትን ንመረፃ ዕንቅፋትን
ኢኹም ብምባል ብሓሶት ተወንጂሎም ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ከም ዝተኣስሩ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።