Monday, February 16, 2015

ኣብ “ሆስፒታል ጦር ሃይሎች” ዝርከቡ ስንኩላት ኲናት ነቶም ኣብ ጎደና ተደርብዮም ዘለዉ ስንኩላት ወተሃደራት ዘድሊ ሓገዝ ክግበረሎም ናብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ጥርዓን ምቕራቦም ተገሊፁ።



ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጦር ሃይሎች ሆስፒታል ዘለዉ ስንኩላት ኲናት ብ18 ጥሪ 2007 ዓ.ም ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብምኻድ “መንግስቲ ስለ ምንታይ ነቶም ኣብ ኲናት ሰንኪሎም ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ተደርብዮም ዘለዉ ወተሃደራት ግቡእ ሓገዝ ገይሩ ዘይኣለዮም፥ ንሕና  ኣብ ሆስፒታል ዘለና’ውን እንተኾነ ብሰንኪ ሕማቕ ኣታሕዛኹም ካብዚ ዘለናዮ ክንወፅእ ንደፋፋእ ኣለና ክብሉ ምሕታቶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ’ቲ ስርዓት ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ ኣነ ብዛዕባ ስንኩላት ኲናት ኣፍልጦ የብለይን ብምባል ናብ ሳሞራ ዮኑስ ከም ዘሕለፎም ተፈሊጡ።
ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ብወገኑ “እዚ ተልዕልዎ ዘለኹም ሕቶ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ኣባልሽይዎ ዝሓለፈን ብምዃኑ ኣነ ሕዚ ኢደይ ኣየእትወሉን” ብምባል ነቲ  ሕቶኦም ብምጉሳይ ካብ ዝፈፀሞ ጥፍኣት መህደሚ ክኾኖ ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ ክብል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።