Monday, February 16, 2015

መንእሰይ ትግራይ መነባብርኡ ገዲፉ ናብ ብረታዊ ቃልስን ስደትን ንምንታይ የምርሕ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ዝቐረበሎም ታሕተዎት ካድረታት ህወሓት ድሌትን ሕቶን ህዝቢ ስለ ዘይተመለሰ ክብሉ ምዝራቦም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት ንሕተዎት ካድረታቶም ኣኪቦም መንእሰይ ትግራይ እንታይ ኮይኑ ናብርኡ ገዲፉ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባትን ስደትን የምርሕ ዘሎ ክብሉ ሕቶ ኣብ ዘቕረብሎም ድሌትን ሃንቀዉታን ህዝቢ ብዘይምምላሱን ብከቢድ ፀገም መነባብሮ እናተሳቐዩ ምንባር ስለ ዝመረሮምን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየዱ ዉድባትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ክጠፍኡ ይግደዱ ኣለዉ ክብሉ ከም ዝመለስሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቦም እቶም ታሕተዎት ካድረታት እቲ ዝኸደ ከይዱ ኣሎ እቲ ዘይከደ መንእሰይ እንተኾነ’ዉን ኣንፃርና ዝገጥመሉ ግዜን ቦታን ይፅበይ ስለ ዘሎ መንግስቲ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ብምንጋስ ሕብረተሰብ ከረጋግእ ኣለዎ ኣብ ዝበልሉ ንስኹም መንእሰይ ገዲፉና ክኸይድ ኣብ ምግባር ኢድ ኣለኩም ብምባል እቶም ላዕለዎት ካድረታት ከፈራርሕዎም ስለ ዝፈተኑ ከይተረዳድኡ ከም ዝተፈላለዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።