ሕርሻ ሃገርና
ንዘበናት ክንጥቀመሉ ካብ ዝፀናሕና ባህላዊ መንገድታት ክወፅእ ስለ ዘይከአለ። ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን በዝሒ ቁፅሪ ህዝቢ እናወሰኸ
ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰብ ክፀውር ኣይከአለን፣
እዚ ድሑር አጠቓቕማ ሕርሻዊ ማእቶት ክቕየር ስለ ዘይተከአለ ድማ። ኣብዚ
እቶ ዝበሃል ምህርቲ ክርከብን። ጥዑይ ናይ ኣዝመራ ክረምቲ ነይሩ
ኣብ ዝተበሃለሉ እዋን’ኳ ንቀለብ ዓመት ‘ውን ኣይኣክልን ። ስለ
ዝኾነ ድማ ህዝብና ድሕሪ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ማለት እዋን ክረምቲ ገና እንከይአተወ ቆፍኡ ነጊፍ ናብ ስደት ዘምምረሓሉ ኩነታት
እዩ ዘሎ፣
ርሑቕ እንተይከድና ካብ ግእዋን ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ኣትሕዙ
ክሳብ ሕዚ ህዝብና ኩሉ ግዜ ምስ ተፈጥራኣዊ ዝናብ ዝተታሓሓዘ ስለ
ዝኾነን ተጠቃማይ ዘመናዊ ሕርሻ ክኸውን ብዘይምኽአሉን ሃገርና ኢትዮጵያ ብሰንኪ ንህዝቦም ዘይሓስቡ መራሕታ ከም አብነት ድርቅን
ጥምየትን ተቖፂራ አብ መዝገበ ቃላት ክትሰፍርን ዜጋታትና አብ ፈቖዶ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተሰዲዶም ክዋረዱን አብ ልዕሊኦም ሰፍ ዘይብል
በደላት እናበፅሖም ፀኒሑን ኣሎን፣
ስርዓት ህወሓት/ኢህወደግ ናብ ስልጣን ካብ ዝወፅእ ኣስታት ርብዒ ክፍለ
ዘመን እኳ እንተቑፀረ። ኣብ መዳይ ሕርሻ ዝበፅሖ ደረጃ ምስንርኢ ግን። ንሃልኪ ፖለቲካ ተባሂሉ ካብ ዝዝረብ ወፃኢ። ካብቶም ዝሓለፉ
ስርዓታት ንላዕሊ ለውጢ ኣምፂኡ’ዩ ኢልካ ዝዝረበሉ ኣይኮነን፣ ኣብ እዋን ስርዓታትሃይለስላሰን ደርግን ብሰንኪ የጋጥም ዝነበረ ተኸታታሊ
ድርቅን ጥምየትን። ህዝቢ ይረግፍን ይስደድን ነይሩ፣ ሕዚ ኣብ ዘበን ስርዓት ኢህወደግ’ውን እንተኾነ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብአሸሓት
ዝቑፀሩ ዜጋታትና ብሰንኪ ድሑር ሜላ ኣጠቓቕማ ሕርሻን ዘይጥዑይ መንግስታዊ ፖሊስን ብጥምየትን ሕማምን ሂወቶም እንትስእኑን መረበቶም
ገዲፎም ይስደዱ ኣለው፣
ከም ኣገላልፃ ስርዓት ኢህወደግ። ሕርሻ ዝመርሖ ዕብየት ክፍለ-ኢኮኖሚ
ሃገርና። ብክንድዚ ሚኢታዊ ዓብዩ ብዝብል ናይ ሓሰት ፀብፃብ። ኣብ ዓለም ምስ ዝርከባ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ቅድሚት
ተሰሪዕና፤ ሕርሻና ብዘዕግብ መንገዲ ይስጉም ኣሎ፤ ውሕስነት መግቢ ኣረጋጊፅና፤ ናይ መስኖ ስራሕትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዓቢ ስለዘሎ።
ኣስታት ፍርቂ ተሓራሳይ መሬትና ንመስኖ ክውዕል ብምግባር ሓረስታይ ሃገርና ሚሊዮነር ክሳብ ምዃን በፂሑ ወ.ዘ.ተ እናበሉ ናይ ሓሰት
ድርሳናት ክፅብፅቡልና ንሰምዖም ኣለና፣
እንተኾነ ግን እግርን ከበሮን በበይኑ ከም ዝበሃል። ካድረታት ኢህወደግ
ዝዛረብዎን ጭቡጥ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን ዘይራኸቡ ክልተ ጫፋት ብምዃኖም። ኣጉል ተስፋታት ናይዚ ስርዓት’ዚ መወዳእታ ተሳኢንዎም።
ከርፋሕ መናባብሮ ሕብረተሰብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይኸይድ‘ሎ፣
ንምጥቕላል።-
- ፖሊሲ ሕርሻ ሃገርና ንጠቕላላ ህዝቢ ኢትዮጵያ
ናብርኡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ክኸውን ዝገበረን። ካብ ዱሑር ባህላዊ ናይ ሕርሻ ኣጠቓቓማ ገና ክወፅእ ከም ዘይገበረ፤
- ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖሊሲ ትምህርቲ ብልሹው ኣብ ልዕሊ ምዃኑ። እተን ዝርካበን
ኣብያተ ትምህርቲ’ውን እንተኾና ምዕሩይ ብዝኾነ መንገዲ ኩሉ ቀረባትን ብቑዓት ሰብ ሞያን ስለ ዘይብለን። ብትምህርቲ ዝተደገፈ ሕርሻ
ዝመርሖ ኢኮኖሚ ምህናፅ ከም ዘይተኻእለ፤
- መብዛሕትኡ ኣብ ገጠር ዝርከብ መንእሰይ። ተሓራሳይ መሬት ስለዘይብሉ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ናብ ከተማታትን ስደትንይፈልስ ከመዘሎ፤
- ኣብ ሃገርና ዝርከብ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ብቐዳምነት ንዜጋታት ሰብ ውልቀ
ሃብቲ ኣብ ክንዲ ምሃብ። ንዘበናት ይጥቀምሉ ንዝፀንሑ ድኻታት ወገናት እናፈናቐልካ። ብጥቕሚ ንዝተአሳሰሩኻ ናይ ደገ ሰብ ሃፍቲ
ክወሃብ ስለ ዝተገብረ። ሃገርና ክትረኽቦ ካብ ዝግባኣ ዝነበረ ጥቅምን ዕቤትን ክትኩለፍ ኪኢላ’ያ ዝብሉን ካልኦትን፤ ካብቶም ብዙሓት
ውሑዳት ዝፍፀሙ ዘለው ሃገራዊ ሽግራት እዮም፣
ስለዚ ሓረስታይ ሃገርና መሰሉን ናፅናቱን ተመንዚዑ። ከም ኣማራፂ ናይ ካልኦት
ዝሓሸ መንገዲ ንኽይጥቀም ዕድላቱ ዝተዓፅወ ብምዃኑ። ሚሊዮነር ክኸውንስ
ይትረፍ። ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ሕርሻ ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎን ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ተወሲኽዎ። ኣብ ዝለዓለ ናይ
ድኽነት ዓዘቕቲ ተዋሒጡ እናቖዘመ ይውዕል ኣብ ዘለወሉ መድረኽ። ረብሓታቱ ተረጋጊፁ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን፣