ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ብኣባላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ብኣስገዳድ ብምዉፃእ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ስራሕቱ ገዲፉ
ኣብ ኣኼባ ተፀሚዱ ክውዕል ይገብርዎ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ኣኼባ ካብ ሚያዝያ 25/2007ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክፍለ
ከተማታት ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዋና ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ልምዓት ክቕፅል እንተኾይኑ ኣብ ዝመፅእ
መረፃ ዝኾነ ነባሪ ንህወሓት/ኢህወደግ ክመርፅ ከም ዘለዎ፤ ንዝኾነ ሰብ ገዛ ከካሪ እንከሎ ብዘይ ናይ መንነት ካርድ ከካሪ ከም
ዘይግበኦ፤ ኣብ ከተማና ዘይፍለጥ ብዓይኒ ጥርጣረ ንዝረኣዮ ሰብ ሒዙ ምሕታት፤ዝኾነ ንብረት ኣቐምጠለይ ዝበሎ ድማ ከይፈተሸ ከቕምጠሉ
ከም ዘይብሉ ዝብሉን ካልኦትን ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።