ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሃረር ብሕፅረት መብራህትን
ሃልኽቲ ነገራትን ይሳቐ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ፈፂመን መብራህቲ ዘይረኽባ ከባቢታት
ከም ዘለዋን በዚ ምኽንያት ድማ ዕለታዊ መነባብርኦም ከሳልጡ ከም ዘይካኣሉን ኣቦታት ኣመንቲ እስልምና ብምሸት ናብ መሳጊድ ንምኻድ ኣብ ዝፍትኑሉ ግዜ ሞባይሎምን ገንዘቦምን ብሰረቕቲ ይምንጠሉ ከም
ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ከተማ ሃረር ብመብራህቲ ሕፅረት ዝሳቐያ ዘለዋ ቦታታት ከባቢ ሽዋ በር፤ ቡዳ-በርን ካልኦትን
ከም ዝኾናን መሪሕነት እቲ ክልል ግን ነዚ ፀገም ክሳብ ሕዚ ምንም ፍታሕ ክገብረሉ ከም ዘይከኣለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከም ዘይትን ሕሩጭ
ፊኖን ዝኣምሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ካብታ ከተማ ካብ ዝጠፍኡ ኣዋርሕ ኣቑፂሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡኢ ኣሎ።