Saturday, May 9, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ፖሊስ መኮነናት ኣብ መረፃ ህዝቢ ቀይዶም ንምሓዝ ዝዓለመ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ከም ዝቐነዩ ተሓቢሩ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብደረጃ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ካብ ረዳት ኢንስፔክተር ንላዕሊ ዝኾኑ ናይ ፖሊስ መኮነናት ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብኮሚሽነር ዘኣማኒኤል ለገሰ (ወዲ ሻምበል)ን ናይ ክልል ትግራይ ፀጥታ ሓላፊ ሓድሽ ዘነበን ኣብ ዝተመርሐ ኣኼባ ህዝቢ ፀሊኡና ስለ ዘሎ ኣብቲ መረፃ ህዝቢ የማነ ፀጋም ከይብል ናዕቢ ንከየልዕል ወጢርና ክንሕዞ ይግባእ፤ ንካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ንከይመርፅ ድማ እናተኸታተልና ፈሪሑ ንኢህወዴግ ከም ዝመርፅ ክንገብር ኣለና፤ ሎሚ ንህወሓት ኢህወዴግ ካብ’ቲ ኣፀላልይዎ ዘሎ ሓደጋ ምዉዳቕ ክነድሕኖ ይግባእ ዝብሉን ካልኦትን መምርሕታት ከም ዘውረዱ ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ህዝቢ ዘማርረሎም ነጥብታትን ብኸመይ መንገዲ ንግዝይኡ ተስፋ ክህብዎ ከም ዘለዎምን ኣልዒሎም ከም ዝዘተዩን ካብ’ቶም ህዝቢ የማርረሎም ኣሎ ዝበልዎም ገለ ነጥብታት ድማ፦ ፍትሒ፤ሰናይ ምምሕዳር ብፍላይ ኣብ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላን ኣተዓዳድላ መንበሪ ገዛን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ህዝቢ የማርረሎም ኣሎ እንታይ ንግበር፤ ብኸመይ እንተኸድና ይሓይሽ? ዝብሉና ካልኦትን እንትኾኑ ክሳብ መረፃ ዝሓልፍ ንህዝቢ ከረጋግዑ ዝኽእሉ ናይ ተስፋ መብፀዓታት ክንኣትወሉ ኣለና ብምባል ኣኼባኦም ከም ዝደምደሙ ተፈሊጡ።