Saturday, May 9, 2015

ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ነቶም ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ተቓወምቲ ውድባት ብህዝቢ ንክፅልኡ ኣሸበርቲ እዮም እናበሉ ህዝቢ ኣኪቦም የፀልምዎም ከም ዘለው ተሓቢሩ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ  ንህዝቢ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ብተደጋጋሚ ካብ ስራሕቱ ብምብኳር ኣብ ናይ መረፃ ጎስጓስ የውዕልዎ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ንሰማያዊ ፓርቲ ከይትመርፁ ሰማያዊ ፓርቲ ምስ ኣይ ኤስ ዝተብሃለ ኣሸባሪ ርክብ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ንኢህወዴግ ምረፁ እናበሉ ነቲ ህዝቢ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ እናመሓላለፉ ይጉስጉስዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ።

     እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕና ከይንውዕል ንኢህወዴግ ምረፁ እናበሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣኼባ ክንፅመድ ይገብሩና ኣለው ብምባል የማርር ከም ዘሎን ካብ ኢህወዴግ ንላዕሊ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሸበረ ስርዓት የለን ኣብ ስራሕና ከይንውዕል ወግሐ ፀብሐ ንኢህወኤግ ምረፁ እናበልኩም ኣይተሸግሩና ብምባል ይቃወሞም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።