Wednesday, May 6, 2015

ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢህወዴግ ንፖለቲካዊ ሸቐጥ’ምበር ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል ኣይተራኣየን!!



    ንዝኾነ ሃገር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ወሳኒ’ዩ እንተኾነ ግን እቶም ዝካየዱ ህንፀታት ንፖለቲካዊ ረብሓን ሃልኪ ፕሮፖጋንዳን ተባሂሎም ዝህነፁን መናባብሮ ሕብረተሰብ  ዘየማሓይሹ እንተደኣ ኮይኖምን ግን መሰረተ ልምዓት ኢልካ ካብ ምግላፅ መሰረተ ግዕዝይናን ግዑዙይ ምሕደራን ኢልካ ምግላፁ  ይቐልል።
    ናይ ሓደ ሃገር መሰረተ ልምዓት ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባለ ናይቲ ሕብረተሰብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘብፀሕ፤ ኣብቲ ህዝብ ዘሎ ኩነታት  መነባብሮ ኣፈላላዩ ዘፅብብን ኩሎም ዜጋታት ማዕረ ኮይኖም ንኽነብሩ ዘኽእል ክኸውንን ይግባእ።
   ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመሪሕነት ኢህወደግ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ህንፀት መሰረተ ልምዓት እኹል ፅንዓት ተገይርሉ ንኹለን ከተማታት ሃገርና ማዕረ ብዝጥምት መንገዲ ዘይኮነስ ንገለ ከተማታት ጥራይ ፍሉይ ትኹረት ብምግባርን እኹል ምድላው እንከይተገብረሉ ሃንደበታዊ ብዝኾነ መንገዲ ፖለቲካዊ ጥቕሚ ንምርካብ ጥራይ ተባሂሉ ዝካየድ ናይ ህንፀት ስራሕቲ ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ ኣድማዒ ውፃኢት ክርከቦ ኣይካኣለን።
    ብኻልእ ገፅ ትኹረት ተዋሂብዎ ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ መሰረተ ልምዓት። በዝሒ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ንክኸውን ምግባር’ዩ። ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ምስናይ’ቲ ህዝቢ ቁፅሪ ዝመጣጠኑ እንተዘይኮይኖም ፋይዳ ክህልዎ ኣይኽእልን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ’ቲ ሃገር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብነዊሕ ጠሚቱ ውጥን ተቐሚጥሉ ዝካየድ እንተዘይኮይኑ ድልየት ናይቲ ሕብረተሰብ ዘማልእ’ውን ኣይኮነን፣ ብፍላይ በዝሒ ቁፅሪ ህዝቢ ሃገርና ድሕሪ ዓሰርተ ዕስራ ዓመት ብዕፅፊ ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣሚንካ ዝካየድ ናይ ልምዓት መንገዲ እንተዘይሃልዩን ምስ መድረኽ ዕብየት እናረጋገፀ ዝኸይድ መሰረተ ልምዓት ክኸውን እንተዘይክኢሉን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ገዚፍ’ዩ ዝኸውን።
    ካብዚ ብምብጋስ ስርዓት ኢህወደግ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምስ ምህናፅ መንበሪ ኣባይቲ ኮነደሚንየምን ፅርግያታትን ኣብ ዝምልከት ድሕሪ ምስርሖም ዝግባእ ኣገልግሎት እንከይሃቡ ስለ ዝበላሸው ፅባቐ ናይቶም ከተማታት ምብልሻዎም ከይኣክል ነዞም ብዘይካ እኹል ፅንዓትን ክትትልን ዝተሰርሑ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናፆም ኣዝዩ ብዙሕ ወፃኢ ስለ ዝግበረሎም ንኻልእ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ክኾን ዝግባእ ዝነበረ ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ኣብዘይ መዓልኡ ክውዕል ምርአይ ዝተለምደ ኣሰራርሓ ኮይኑ ይርከብ።
    ከተማታትና ክህልወን ዝግባእ ዕብየትን ምዕባለን ማለት! ዋላ’ኳ ዓብይ ወፃኢ ዝሓትት እንተኾነ እኹል ግዜ ተዋሂብዎ ብዝተፀንዐን ውፅእታዊ ብዝኾነን መንገድን ክድኮና እናተገበአን ንፅባቐ ከተማታት ግምት ብዘየእቱን ብዘበላሾን መንገዲ ዝካየድ ዘሎ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ንቕድሚት ዓብይ ጉድአት ከስዕብ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
    ንምጥቕላል ስርዓት ኢህወደግ ዘካይዶ ዘሎ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብሰብ ሞያ ዝተደገፉ ስለ ዘይኮኑን ኩሎም ናይ ህንፀት ስራሕቲ ሞያ ብዘይብሎም ኮራኹር’ቲ ስርዓት ይምራሕ ብምህላውን ዘዕግብ ውፅኢት ክርከቦ ኣይከአለን ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ብውስን ደረጃ ዝርአ ናይ ህንፀት ስራሕቲ’ውን እንተኾነ ብዓይኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ተሓሲቡ ዘይኮነስ ናይቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ንምድኑጓይ ተሓሲቡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑን ኣብ’ቲ ህዝቢ ዘምፀኦዝኾነ ዓይነት ለውጢ’ውን  ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ።