Tuesday, June 2, 2015

ንዝተዳኸመ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንምጥንኻር ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ውድብ እቶም ኣብ 1993 ዓ.ም ዝወፁ ኣመራርሓ ንክምለሱ ከም ዝተሰማምዑ ምንጭታትና ሓቢሮም።



    ማእኸላይ ኮሚቴ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት መለስ ዜናዊ ድሕሪ ምሟቱ ዉሽጣዊ ዓቕሞም ተዳኺሙ ሰንደልደል እናበሉ እኳ እንተፀንሑ ኣብ ሕዚ እዋን ግን ህልዉንኦም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ስለ ዘሎ ካብ ዉድቀቶም ንምትሳእ ዘእኽል ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ስለ ዝተገንዘቡ ነቶም ኣብ 1993 ዓ.ም “ፀረ ዕላማ ዉድብና እዮም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፍ ዘይብል ጥፍኣት ፈፂሞም” ብምባል  ኣባሪረሞም ዝፀንሑ ማእኸላይ መርሕነት ናይ’ቲ ዉድብ ናብ ዝነብርዎ ንክምለሱ ብዝገብርዎ ፃዕሪ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ ተፈሊጡ።
እቶም ካብ መሪሕነት ህወሓት ተባሪሮም ፀኒሖም ክምለሱ ተስማዕሚዖም ዝብሃሉ ዘለዉ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ ሜጀር ጀነራል ኣበበ ተክለሃይማኖት (ጀቤ)፤ ኣረጋሽ ኣዳነ፤ ኣዉዓሎም ወልዱን ተወልደ ወልደማርያምን ዝርከብዎም ኮይኖም ኣብቲ ምትዕራቕ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ብዘይ ሓደ ጥፍኣት ኣባሪርኩምና ስለ ዝፀናሕኹም ካሕሳ ይወሃበና ዝብል ሓሳብ ምስ ኣቕረበ ዝበዝሑ ማእኸላይ ኮሚቴ ገዛኢ ዉድብ እኳ እንተተስማዕምዑ ገሊኦም ግና ነቲ ሕቶ ከም ዘይተቐበልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ኣብ ምትዕራቕ ስራሕ ተፀሚዶም ዘለዉ ድማ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ኣርከበ ዕቑባይ፤ በረኸት ስምኦንን ኣዲሱ ለገስንን ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ገብሩ ኣስራት ግና ንዉድብ ህወሓት/ኢህወዴግን ኣመራርሕኡን ዘዋርድ ታሪኽ ስለ ዝፀሓፈ ክምለስ የብሉን ኢሎም ከም ዝተሰማምዑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።