Tuesday, June 2, 2015

ህዝቢ ከተማ ሰለኽለኻ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ብር ሃፍቲ ህዝቢ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦም ዘዉዓሉ ኣመሓደርቲ ናብ ሕጊ ክቀርቡ እናተገበኦም ብዘምቕራቦም ብ14 ግንቦት 2007 ዓ.ም ተቓዉሞ ከም ዘስምዐ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ መደባይ ዛና ከተማ ሰለኽለኻ ዝነብር ህዝቢ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ’ታ ወረዳ ብርሃነን ምስ ምክትሉ ጎይትኦም ገብረሃወርያን ተሻሪኾም ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ናይ ህዝብን መንግስትን ገንዘብ ከም ዝበልዑ ኣብ ሕጊ ተረጋግፁ እናሃለወ ብፀቕጢ ሰበ ስልጣን ብነፃ ክልቀቑ ስለዝተገበረ ነቲ ብ14 ግንቦት 2007 ዓ.ም ብዛዕባ መረፃ ጎስጓስ ዘካይድ ንዝነበረ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ተወልደ ብእምኒ ከም ዘባረርዎ ተፈሊጡ።
   እቲ ተቓዉሞ ኣብ ድሮ መረፃ ብምዃኑ ዝሰገአ ገዛኢ ስርዓት ድማ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ካብ ፌዴራል ዝተለኣኹ ኣባይ ፀሃየን ሳሚኤል ገብረዋህድን ምስ ኣባይ ወልዱ ብምዃን ንነባሪ ህዝቢ ኣኪቦም እዞም ሰባት ነፃ ተባሂሎም ዋላ ይንበሩ ቤት ምኽሪ ኣኪብና 20 ዓመት ክእሰሩ ኣወሲና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲናዮም ስለ ዘለና ሓዱሽ ነገር እንተሎ ምስ ልዕሌና ዘለዉ ኣካላት ተዘራሪብና  ክነግረኩም ኢና ብምባል መደናገሪ ሓሳብ ከም ዝሃብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ነቶም ብግዕዝይና ዝተኸሰሱ ኣማሓደርቲ ነፃ ክልቀቑ ገይሮም ዝተብሃሉ ኣካላት ፍትሒ፦ ኣባዲ መልኩ፤ ወ/ሮ ኣልማዝን  ነቲ ተቓዉሞ ህዝቢ ንምርግጋዕ ንግዝኡ ካብ ስርሖም ክእገዱ ተገይሩ እኳ እተሎ እቲ መናዉሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀመሉ መረፃ ሓሊፉ ስለ ዘሎ ነቶም ዝተኣሰሩ ፈቲሖም ነቶም ዝተኣገዱ ድማ ናብ ስርሖም ክመልስዎም እዮም ዝብል እምነት ብሰፊሑ ኣብታ ከተማ ይዝረብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።