ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዓዲ ኣርቃይ ፍሉይ ቦታ ጨዉ በር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ዕሱባት ፖላዊስ ኢህወዴግን
ንግዕዙይ ምሕደራ ገዛኢ ስርዓት ተቓዉሞም በረኻ ወፂኦም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ዉግእ፣ ኮንስታብል ኣሸናፊ
ዝተብሃለ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ፖላዊስ ኣብቲ ዉግእ እንትቕተሉ ካልኦት ድማ ብከቢድን ቀሊልን ዝቖሰሉ ፖላዊስ ምህላዎም ምንጭታትና
ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብወገን
እቶም 'ዉን ኣንፃር ዕጡቛት እቲ ስርዓት ዝገጠሙ ሰባት ጉድኣት ከም ዝበፅሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እተኾነ ግን ተወለድቲ እቲ
ከባቢ ስለ ዝኾኑ መብዛሕትኡ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ይተሓባበሮምን ይድግፎምን ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ልዕልኦም ክበፅሕ ዝኽእል
ዝነበረ ጉድኣት ክቕንስ ከም ዝኸአለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።