ምንጭታትና
ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ኣብ ዩኒቨርስቲታት ኣምቦን ጅማን ዝርከቡ ተምሃሮ፣ ብ29 ሕዳር 2008 ዓ/ም ሰላማዊ ሰልፊ
ከም ዘካየዱ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቶም ሰልፈኛታት ኣእዳዎም ንድሕሪት ጠዉዮም ብምሓዝ ተኣሲርና ኢና ዘለና!፤ መሬትና ተወሪርና!፤ መሬትና
መራሕቲ ኢህወዴግ መንዚዖም ንባዕሎምን ፈተዉቶምን ይጥቀምሉ ኣለዉ!፤ ካልእን ክብሉ ድምፆም ብዓዉታ ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ከም ዘስምዑ
ተፈሊጡ።
ኣብ
ስልጣን ዘሎ ኣምባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ድማ፣ ነቲ ልሙድ ኣብ ልዕሊ ሰላምዊ ህዝቢ ናይ ጨፍጫፍ ስጉምቱ ብምጥንኻር፣ ካብ ዝተፈላለዩ
ቦታታት ዘተኣኻኸቦም ብርክት ዝበሉ ፌዴራል ፖሊስ ብምዉፋር፣ ኣብ ልዕሊ መሰሎም ዝሓቱ ዝነበሩ ዜጋታት ብሓይሊ ኣፈሙዝ ንምብታን
ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ምዉታትን ቁስላትን ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።