Wednesday, December 5, 2012

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ቀበሌ 01 ጣብያ ደደቢት ብካድረታት ብዛዕባ 2ብ 20 ዝብል ገዛ ዝምልከት ኣኼባ ብዘይ ፍረ ብተቃዉሞ ህዝቢ ከም ዝተበተነ ተሓቢሩ፣

-->



ብ17 ሕዳር 2005 ዓ.ም ብካድረታት እቲ ከተማ ኣብ ቀበሌ 01 ጣብያ ደደቢት ብዛዕባ 2ብ20 ዝብል ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ህዝቢ እታ ጣብያ ነቲ ዝቀረበ መዕነዋይ ተግባር  ህዝቢ ሪኢትኡ ክህበሉ ብዘይ ምኽኣሉ እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣
ብመሰረት ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ’ቲ ዝተኸደ ኣኼባ ንህዝቢ ጣብያ ደደቢት ይጠቅም እዩ ብምባል ሓሳብ ንዘቕረቡ ወገናት ተቓወምትን መለዓዓልትን ተባሂሎም  ካብ ዝተኣሰሩ ንፁሃት ወገናት ኣቶ መረሳን እቶ በርሀን ዝተብሃሉ  ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዝፈርሰ ገዛዉቲ ክሳብ 15 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ሰብ ዋና ባዕሎም ተዘይ ኣፍሪሶም መፍረሳይ ግብረ ሓይሊ እቲ ስርዓት ብኣስገዳድ ክፈርሶ ምዃኑ ኣኳ እንተፍለጠ። እዚ ከኣ ናብ ዕግርግርን ግጭትን የምርሕ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ምንጭጣትና ገሊፆም፣