Wednesday, December 5, 2012

ኣብ ተፋሰስ ተከዘ ኣብ መንጎ ናይ መስኖ ሕርሻ ሓረስቶት መንግቲ ወያነ-ኢህወዴግን ጎነፅ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




ኣብ ተፋሰስ ተከዘ ንቃንጫሽኮር  ብዝብል ምኽንያት ካብ መስኖ ሕርሻ ኢንቨስተራትን  እቲ ከባቢ ቋሚ ተኽሊ ንዘለዎ መሬት ንሓደ ሄክታር 80 ሽሕ ቅርሺ። ቋሚ ተኽሊ ንዘይብሉ ከኣ 28 ሽሕ ቅርሺ ንሰለስተ ዓመት ብምስምማዕ  ነቲ ኣብኡ ዝፀነሐ ቋሚ ተኽሊ ብዶዘራት ተሓጊዞም ከም ዘብረስዎ ተፈሊጡ፣
  ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቲ ውዕል ተፈፂሙ ቋሚ ተኽሊ ምስ በረሰ እቶም እቲ ተሓስቡ ዝነበረ  ገዲፍናዮ ኣለና ብዝብል ዘይተፈለጠ ምኽንያት። ክቋረፅ ብምግባር ብኣርባዕተ ሕዳር 2005ዓ/ም ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ ዝገደፍናዮ መሬትኩም ተረከቡና ብምባሎም ኣብ ሞንጉኦም ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ። ብዛዕባ ምምላስ ገንዘብን ካልእ መሰላትን ዝምልከት ክወሃቦም ብዘይምኽኣሎምን ብዘይምስምመዖምን። ኣብ ዝጥዕመና ክንፅወዓኩም ኢና ብዝብል እቲ ኣኼባ ከም ዝተበተነ ተሓቢሩ፣