Saturday, December 1, 2012

ኣብ ከተማ ሃረር ህዝቢ ዝግልገለለን ዝነበራ ካብ 500 ንላዕሊ ድንኳናት ክፈርሳ መንግስቲ ምእዛዙ ተኸቲሉ ኣብ’ታ ከተማ ዘይምርግጋዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ብዝጥዕሞም መንገዲ እናተጓዓዙ ንህዝብና ናብ ዓዘቕቲ ፀገም ይሽምዎ ኣብ ዘለዉሉ እዋን። ኣብ’ዚ ቕንያት እዚ ኣብ ከተማ ሃረር ‘ሽዋ በር’ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ዝርከቡ ካብ 500 ዘይዉሕዱ ድኳናት ክፈርሱ ምዃኖም ሰበስልጣን መንግስቲ ትእዛዝ ኣብ ዝሃብሉ። እቲ ዘስዕቦ ፀገም ንብርክት ዝበሉ ሰባት ስለ ዝጎድእ። ነባሪ ሕብረትሰብ ብፍላይ ካዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ነጋዶ ዓብዪ ሻቕሎት ብምፍጣሩ ተረጋጊዖም መነባብርኦም ክመርሑ ከም ዘይከኣሉ ኣረዲኡ፣
እቲ ኣብዝሓ ድኳናት ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጀሚሩ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ብተወለድቲ ጉራጌ ተታሒዙ ክስርሓሉ ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ። ግዕዙያት ኣመራርሓ ናይ’ቲ  ስርዓት ግና ነቶም ወኒነሞ ዝፀንሑ ነጋዶ ብምዉፃእ። ብሽም ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ  ንዝኾኑ ሰባት ንምሃብ ብዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ትልሚ። ክወፁ ከም ዘለዎም መምርሒ ምትሕልላፉ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ዘይመርግጋዕ ዝፈጠሮ ጫዉጫዉታን ዕግርግርን ዝወለዶ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
መራሕቲ ስርዓት ወያነ ነቶም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ካሕሳን መተካእታ ቦታን ከይሃበ ነቲ ሰርሖም ናብርኦም ዝመርሕሉ ዝነበሩ ዱንኳን ለቒቖም ንኽወፁ ሃንደበታዊ ትእዛዝ ምሃቡ እቶም ነጋዶ ደንፂይዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ከም ዝፍለጥ ቅድሚ ክልተ ዓመት ማእኸል ዕዳጋ ሽዋ በር ኮነ ተባሂሉ ንኽቃፀል ተጌሩ ብዝብል ልዑል ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፣