ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን 186 ሃገራት ኣብ ትሕቲ
ትካል ዓለም ስራሕ ሕቡራት መንግስቲ (ኣይኤልኦ) ኣባላት ኮይነን ዝተሓቖፋ እንትኾና። ነቲ ቀንዲ ቀንዲ ሰነዳት ስምምዕ ፈሪመን
ኣብ ሃገረን ናብ ዝርከቡ ኣዉፃእቲ ሕጊ ኣቕርበን ከም ዘፅደቐኦ ዘመልከተ ፀብፃብ እቲ ትካል። ኢትዮጵያ ንስምምዕ ቅዋም ናይ’ቲ
ትካል ጥሒሳ መሰል ሰራሕተኛታት ካብ ዘየኽብራ ሃገራት እታ ዝኸፈአት ምዃና ኣገንዚቡ፣
ካብ’ቶም ቀንዲ ቀንዲ ቁልፊ ስምምዕነት ዝበሃሉ
ዉሽጢ። ነፃ ኮይንካ ብማሕበር ምዉዳብ ስምምዕነት፤ ብማሕበር ምዉዳብ መሰል ሓለዋ ዝህብ ስምምዕነት፤ ምርድዳእ ዉዕል መሰል ስምምዕነት
ካብ’ቶም ብዙሓት ስምምዕነት ገሊኦም እንትኾኑ። ኢትዮጵያ ነዞም መሰል ስምምዕነት ተቐቢላ ዝፈርመት እንተኾነት እኳ። ኣብ ስልጣን
ብዘሎ መንግስቲ ንኹሎም ትጥሕሶም ከም ዘላ እቲ ትካል ኣረዲኡ፣
ትካል ስራሕ ሕቡራት መንግስታት (ኣይኤልኦ)
ሃገርና ኢትዮጵያ መሰል ሰራሕተኛ ካብ ዘየኽብራ ዝኸፍኣ ሃገራት ዝርዝር ዉሽጢ ከእትዋ ዝኸአለ። ንኹሎም ስምምዓት ከም ዝጠሓሰቶም
ዘረድእ እኹል ሓበሬታ ስለ ዝረኸበ። ናይ’ቲ ትካል ኮሚቴ ንዝረኸቦም ምስ’ዚ ዝተሓሓዙ ጥርዓናት ብዝግባእ ኣፃርዩ ዝወሰዶ ዉሳነ
ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣