ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 100 ሽሕ
ጎደና ሓደር ምህላዎም ዘረጋገፀ ትካል ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ህፃናት ሕቡራት መንግስትታት (ዩኒሴፍ)። ቤት ፅሕፈት ስታተስቲክስ መንግስቲ
ኢትዮጵያ ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ጎደና ሓደራት 60 ሽሕ ጥራሕ ምዃኖም ዝገልፅ ሓበሬታ በቲኑ ኣሎ፣
ዓለም ለኸ ትካል መረዳእታ ህፃናት ሕቡራት መንግስትታት (ዩኒሴፍ) ኣብ ዘዉፅኦ
መፅናዕታዊ ፀብፃቡ ከም ዘመልከቶ ግና። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጎደና ሓደር እንትህልው። ካብዚኦም ሓደ ሚኢቲ
ሽሕ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገርና ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ ኢሉ፣
ቤት ፅሕፈት
ማእኸላይ እስታተስቲክስ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጎደና ሓደር 150 ሽሕ ጥራሕ ምዃኖም እንተመልክት። ካብዚኦም እቶም
60 ሽሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ እኳ እንተበለ። ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ዘዉፅእዎ ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቕበለሉ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ከም ዘለዉ ምስ ኣመልከተ።
ትካል ጥዕና ዓለምን ባንክ ዓለምን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ካብ
በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውሽጢ 17.6 ሚኢታዊ ወይ 14 ሚልዮን ህዝቢ ኣካለ ጎደሎ እዩ ምባሎም ዝፍለጥ ኮይኑ። ሓዱሽ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ግና ሳይነሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣይተፀንዐን ክብል ምቅዋሙ ተገሊፁ፣