እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝተኻየደ
ውዕዉዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ። ዕላምኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ዜጋታት ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት
ሰብኣዊ መሰል። ብህፁፅ ደው ንኸብል ዝፅውዕ ምንባሩ ተገሊፁ፣
ኣብ’ዚ
ሓያል ተቓውሞ ሰልፊ ኩሎም ኢትዮጵያውን ሃገራዊ ፍቕሪ ዝሓዘለ ናይ ኣቋም መግለፂ ዘውፅኡ እንትኾን። ትሕዝትኡ ድማ ሃገርና
ኢትዮጵያ ልዕሊ ኣስታት 90 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላን። ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን ተኸተልትን ልዕሊ 85 ብሄር ብሄረ ሰባት ሓቚፋ ዝሓዘትን። ሃገርና ብዓለም ደረጃ
ዘኹርዕ ታሪኽ ዘለዋ እያ ድሕሪ ምባል ።ነዚ ዘህስስ ዘሎ ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ንምቅዋም ከም ዝኾነ ገሊፆም፣
ኣብ’ቲ
ዘዉፅእዎ መግለፂ ኣስዒቦም። ኣመንቲ ሃያማኖት ምስልምና ኣሕዋትና
ቅድሚ 1446 ዓመት ኣትሒዞም ብሰላም ዝነብሩላ ሃገርና ኢትዮጵያ ሎሚ መራሕቲ ወያነ ኣብ መንጎ ሃይማኖት ኢዶም ብምእታው ብዘይ
ድልየቶም እምነቶም ክቕይሩ ብምግዳድ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምእሳርን
ምቕታልን ስጉምቲ ደው ከብሉ ዝፅውዕ መግለፂ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣