ኣቶ ዮሴፍ ያሲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ
ሬድዮ ዶቸወለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ከም ዝበልዎ። ድሕሪ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ ንመጀመርያ ግዜ
ኣብ’ዚ ለማቕነ ክልተ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከብዎም ሽመት ሓሙሽተ ሚኒስተራት ዝተዋሃበ መሰረታዊ ለዉጢ ዘይብሉ ኣዚዩ ዉስን
ብምዃኑ። ኣብኡ እንተሎ ናይ ካብኔ ምፅግጋዕ ስራሕ ተሰርሑ እምበር ነቲ ዝፀነሐ ፀገም ዝፈትሕ ሽመት ተዋሂቡ ክበሃል ከም ዘይኽእል
ኣረዲኦም፣
ንሃገርና ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ወያነ
ኢህወዴግ ዉሽጣዊ ፀገማቱ ኣለልዩ ንምፍታሕ ተሸጊሩ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ስለስተ ኣርበዕተ ወርሒ ወገሐ ፀበሐ ትንፋስ ኣብ ዝኽለእ
ኣኼባታት ተፀሚዱ ከም ዝፅነሐ ዝገለፁ እቶም ተንታኒ ፖለቲካ። ምኽንያት መእከቢኦም ብግልፂ እኳ ንህዝቢ እንተዘይ ኣፈለጥዎ ኣብ
ዉሽጢ እቶም ንኢህወዴግ ዘቖሙ ኣርባዕተ ዉድባት ናይ ስልጣንን ሃፍትን ክፍፍል ዝፈጠሮ ኣፈላላይ ሕድ ሕዶም ሰበ ስልጣን ክጣማምቱ
ስለ ዝፀንሑ ነዚ ከም ግዜዊ መዕረፊ ክጥቀምሉ እንተዘይ ኮይኑ። እቲ ተወሂቡ ዘሎ ሽመት ፋይዳ የብሉን ኢሎም፣
ኣብ መወዳእታ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ
ኣቶ ዮሴፍ ያስን። ስሰዐ ስልጣን፤ ምኽዕባት ዉልቃዊ ሃፍቲ፤ ጉጅልኣዊ ምትእኽኻብን ዝመለለይኦም መርሕነት ኢህወዴግ። ኢህወዴግ ከም
ኢህወዴግ ካብ ዝፈጥርዎ ኣትሒዞም ሓቢሩ ዝተፈጠረ ፀገም ስለ ዘለዎም። ከም መንግስቲ ስልጣን ጨቢጦም ሃገር ንመርሕ ኣለና ዋላ እንተበሉ።
ብዉሽጢ ዝተሓበአ ዘይተፈወሰ ሕበጥ ስለ ዘሎ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሽመት ነቲ ፀቢብ ዉዳብኦም ግዜያዊ መልክዕ ኣትሕዘሞ ክበሃል እንተዘይ
ኮይኑ። ብኹሉ መለክዕታት ንህዝብን ሃገርን ረቢሑ ዘላቒ ፍታሕ ዘምፅእ ሽመት ከም ዘይኮነ ኣገንዚቦም፣