እቲ ቤት
ትምህርቲ ራስ ኣሉላ ኣባነጋ እናተበሃለ ክፅዋዕ ዝፀነሐ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጥን ወፃእን ብዝነበሩ ተወልድቲ እቲ ከባቢ ዝተሰርሐን። መፀዉዒ ሽሙ ድማ በቲ
ሰራሒ ታርኽ ዝኾነ ኣሉላ ኣባ ነጋ ተሰይሙ ክፅዋዕ ዝፀነሐ እንትኾን። ሎሚ ድሕሪ ቡዝሕ ዓመታት መራሕቲ ወያነ ብዘይ ህዝባዊ ድጋፍ
ብኢደ ዋኒኖም ሽሙ ቀይሮም። በቲ ፀረ ህዝብን ሃገርን መራሒ ጉጅለ ስርዓት ወያነ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ክስየም ምግባሮም ህዝቢ ተቓውሞታቱ የስምዕ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
ብፍላይ ከዓ እቶም ናይ ምቅዋም ዕድል ዝረኸቡ ኣብ አውስትራሊያ፤፡ ጀርመን፤ ኖርወይ፤ አሜሪካ፤ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን
ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እቲ ተወሲዱ ዘሎ ሽም ናይ ምቕያር ስጉምቲ ዝፀንሐ ታሪኽ ሃገርና ዘህስስ ስለ ዝኾነ ብህፁፅ ናብ ራእሲ ኣሉላ
ኣባ ነጋ ክቕየር ከም ዘልዎ ኣብ ዘካየድዎ ቴሌ ኮንፈረስ ድሕሪ ምግላፅ። ወሲኾም ኩላትና ኢትዮጵያውያን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነቶም
ሃገርን ህዝብን ዘብርሱ ዘለዉ መራሕቲ ወያነ ካብ ስልጣኖም ክንኣልዮም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ብሽም ሃፀይ ዮሓንስ ሓወልቲ
ንኽስራሕ ህዝቢ ንዘቕረቦ ጥርዓን። መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ዛጊድ ምላሽ ከም ዘይሃብሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣