Monday, December 3, 2012

ኣብ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ከተማ የጭላ ፀገም ኣገልግሎት ስልኪ ብሰፍሑ ስለ ዘጋጠመ። ህዝቢ ንፀገም ተቓልዑ ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ከተማ የጭላ ንህዝቢ ኣገልግሎት ክህብ ተባሂሉ ብ1998 ዓ.ም ስሩዕ ስልኪ ኣትዩ እኳ እንተነበረ። እቲ ዝተዘርገሐ ስልኪ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ሰሪሕና መበሊ ክጠቕሞም ዝሰርሕዎ ብምዃኑ። ካብ’ቲ ኣገልግሎት ዝህበሉ ዘይህበሉ ከም ዝበዝሕን። ብፍላይ ድማ ቴሌኮም ተባሂሉ ምፅዋዕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ጠቕሊሉ ጠፊኡ ህዝቢ ካብን ናብን ንምርኻብ ተፀጊሙ ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
 ብተወሳኺ እዚ ካብ ጥቕሚ ዋፃኢ ኮይኑ ዘሎ ቴሌኮም ከተማ የጭላ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ቅርሺ ካብ ምእካብ ሓሊፎም ዝህብዎ ኣገልግሎት ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ። ከተማ የጭላ ምስ’ቲ ዘለዋ ዉዕዉዕ ዕዳጋ ሰሊጥን ወርቂን ምስ ካልኦት ዕዳጋ ዘራኽብ ስልኪ ብዘይምህላው ህዝቢ  ዕለታዊ ስራሕቱ ከየሳልጥ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ክፍተሐሎም ነበርቲ ከተማ የጭላ ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት እኳ እንተፍለጡ። ብህዝቢ ዝግደሱ ኣማሓደርቲ ክሳዕ ዘይሃለዉ  ፍታሕ ክረክቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ  ኣረዲኡ፣