ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ'ቶም
ብኣግባቡ ወሪሶም ዝተኸልከሉ። ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና ነባሪት ጣብያ
ዋልታ ዝኾና ወ/ሮ ድንቂ ማሾን ወ/ሮ ኣመተ ዘርኣብርኹን ዝተብሃላ ወገናት ብዉርሲ ካብ ኣባ ሓጎአን ብሕጋዊ መንገዲ ቅድሚ ሰልስተ
ዓመት ዝወረስኦ መሬት። ተረኪበን ከይጥቀማሉ ኣማሓደርቲ ስርዓት ወያነ ዝተፋላለየ ምኽንያት እናተጠቐሙ ክሳብ ሕዚ እቲ መሬት ናብ
ኢደን ከይኣቱ ብምግባር ንልዕሊ 3 ዓመት ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
እዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቐሳ ኣብነት ንምጥቃስ እምበር። ኣብ ጣብያ ዋላታን ከባቢኣን ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ
ካብ ወለዶምን ኣባሓጎታቶምን ብሕጋዊ መንገዲ ወረስቲ ምዃኖም ተረጋጊፁ እናሃለወ። ሕጋዊ መረዳእታ መረጋገፂ ክዋሃቦም ናብ ዝምልከቶም
ኣካላት ኣብ ዝሓትሉ። ምምሕዳር ወረዳ ናብ ጣብያ፤ ጣብያ ናብ ቁሸት ደብዳቤ ክፀሓሓፉ ብዘይሓደ ፍረ። ግዳያት ንዘይተደለየ ወፃእታትን
ተቓልዖም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣመሓደርቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ በቲ ግዕዙይ ኣካይድኦም መሬት ዝግብኦም ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ዜጋታት ሰኣን ዝህቦም ንዓመታት ተሸጊሮም እንትነብሩ። መሬት ህዝቢ ንኣዝማዶምን መቐርቦምን
ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክጥቀምሉ ከም ዝገብሩ ይፍለጥ፣