Wednesday, January 23, 2013

ፍሪዶም ሃዉስ ዝተባሃለ ዓለም ለኸ ትካል። ኢትዮጵያ ኣብ 2013 ነፃነት ዘይብላ ሃገር ኢያ ክብል ኣፍሊጡ፣



ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለዋ ሃገራት ዝኽተለኦ ነፃነት ብምዉድዳር ሪፖርት ዘውፅእ ዓለም ለኸ ኣፍሊጦ ዘለዎ ፍሪደም ሃዉስ። ኣብ’ዚ 2013 ዓ/ም.ፈ ኣብ ዘዉፅኦ ሪፖርት ከም ዝገለፆ። ኢትዮጵያ ነፃነት ዘይብላ ሃገር ኢያ ክብል ኢፋ ጌሩ፣
ፍሪደም ሃዉስ ሃገራት ዓለም ነፃነት ዝሰፈነን፤ ብኽፋል ነፃነት ዘለወንን ነፃነት ዘይብለንን ሃገራት ብምባል ኣብ ሰልስተ መቒሉ ከም ዘቕረበን፤ ነፃነት ዘይብለን ሃገራት ተባሂለን ዝተቐመጣ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ ፖሎቲካዊ መሰላት ዘይብለን  ከምኡ እዉን ስቪላዊ ነፃነት ዝዓፈና ሃገራት እየን፣
ኢትዮጵያ ነፃነት ካብ ዘይብለን ሃገራት ተባሂላ ዝተቐመጠትን ዝተቓለዐትን ኣብ ሃገራዊ ፕረስ ነፃነት ወሲኹ። ካልኦት ሰብኣዉን ፖሎቲካዉን መሰላት ብዘይ ምኽባራን ምዃኑ ኣቃሊዑ፣
ነፃነት ካብ ዘይብለን 16 ሃገራት ኣፍሪካ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ሓንቲ እንትትኮን። ካብ ቀሪኒ ኣፍሪካ ካብ ዝተረቑሓ 3 ሃገራት ድማ ኣብ ቅድሚት ተቐሚጣ ኣላ፣
መንግስቲ ኢህወዴግ ኣብ ኢትዮጵያ ዉሽጢ ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰላት ከም ዝተኸበሩ ብተደጋጋሚ ዋላኳ እንተገለፀ። ናይ ፍሪደም ሃዉስ ሪፖርት ከም ዘረድኦ ግና። ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ከፊል ነፃነት። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ጠቕሊሉ ብምፅልማቱ። ነፃነት የብለንን ካብ ዝበሃላ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ከም ዘላ ኣረዲኡ፣