ካድረታት ሰርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምስሉይ ዘይፍታሓዊ መረፃ ኣዳናጊሮም ዕደመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንትሕቲ
ዕደመ ቆልዑ “ለምርጫ ብልህ ሁን” /ንመረፃ በሊሕ ኩን/ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ ማልያ ብምዕዳል ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ንህዝቢ ከተማ ሸራሮ’ውን በኣስገዳድ ካርዲ መረፃ ክወስዱ መዓልታዊ ግዴታ ዝተሓወሶ ጎስጓስ ይግበረሎም
ብምህላዉ። ዕለታዊ ስርሑ ከይሰርሕ ኣኼባታት ብምግባር ነቲ ህዝቢ ኣረብሪበሞ ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ኣብ መፃኢ ሚያዝያ 2005 ዓ/ም ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምስሉይ መረፃ። ካብ ዝሓለፈ መረፃታት ብዝበኣሰ
መልክዑ ኢ-ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተፅዕኖ ይግበር
ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ የምልክት፣