Wednesday, January 23, 2013

ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሃገርና ኣብ መንጎኦም ምክፍፍል ንኽፍጠር ብመራሕቲ ወያነ ዝፍፀም ዘሎ ውዲት ምቅዋሞም ተፈሊጡ፣



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ኣመንቲ እስልምና ኣብ  ኑር መስጊድ ተኣኪቦም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰደቓ ስነ ስርዓት ከም ዝገለፅዎ። መራሕቲ ወያነ ሃይምኖት እስልምና ኣብ ክልተ ናይ ምኽፋል ውዲት ከም ዝተቓወምዎ ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብቲ ሰነ ስርዓት ሰደቓ ዝተረኸቡ ዜጋታት  ገሊፆም፣
   ብተመሳሳሊ ኣብ ሻሸመኔ፤ ጅማ፤ መቱን ካልኦት ካባቢታትን ሃገርና ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ብግዲኦም። ብሰበ ስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ዝፍፀም ዘሎ ናይ ማእሰርቲ፤ መቕተልትን ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታትን ደው ክብል። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖቶም ጣልቃ ናይ ምእታው ተግባር ከም ዝተቓወምዎ ተገሊፁ፣
  ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ናይ ሰደቓ ሰነ ስርዓት ዝተረኸቡ ሓደ መምህር ከም ዝገለፅዎ። ብህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት ምላሽ ዝህበሉ ኣካል ዘይምርካቡ ከይኣክል። ሕድ ሕድ ኣማኒ እስልምና ነንባዕሉ ክጠራጠርን ክናቖትን ብመራሕቲ ወያነ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ኩሉ ዜጋ ክነቕሓሉን ክቃወሞን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፣