Monday, January 28, 2013

ኣብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ን26 ጥሪ 2005 ዓ/ም ብነፈርቲ፤ ከቢድ ብረትን ብኣጋር ሰራዊትን ዝተሰነየ ናይ ሓደ መዓልቲ ልምምድ ከም ዝገብር ካብቲ እዚ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣




ኣብ ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ብፍላይ ከዓ ኣብ ማእኸላይ እዚ ዝርከቡ ወተሃደራት። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ ስርዓትን ነቲ ዉትህድርናን ብምርሕራሕ ይኸዱ ብምህላዎም። ቀልቢ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ንምጥምዛዝ ኣለና ንምባል ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ኣባላት ሰራዊት እቲ እዚ  ይዛረቡ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ኣብቲ ልምምድ ላዕለዋይ ካድረ ስርዓት ወያነ ሳሞራ የኑስ ከም ዝርከብ ዝገለፀ ኣቲ ሓበሬታ። ን27 ጥሪ 2005 ዓ/ም ከዓ ምዝንጋዕ/ተሃድሶ/ ኣብ ዓዲ ቦኽራይ ከም ዝግበር ተፈሊጡ፣