Monday, January 28, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደሽትን ኣባላት ፖሊስ ዓብዪ ምጥምማት ተፈጢሩ ከም ዘሎ። ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሊስ ወያነ ኢህወዴግ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ። እቶም ነባራት ፖሊስ ዝበሃሉ ትምህርቲ ዘይብሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ተጋደልቲ ነበር ህወሓት ኮይኖም። ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ትምህርቲ ብዘለዎም ሓደሽቲ ይዕብለሉ ብምህላዎም ዝተፈጠረ ምዃኑ ተፈሊጡ፣

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እንተብርህ። ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደሽትን ኣባላት ፖሊስ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይስምማዕ። ነቶም ሓደሽቲ ዝተፈላለየ ሞያዊ ስልጠናን ሓላፍነትን ክዋሃቦም እንከሎ። እቶም ነባራት ፖሊስ ከዓ ካብ ስራሕ ይሳናበቱን ኣብ ተራ ናይ ጣብያን ወረዳን ስራሕ ይምደቡ ስለ ዘለዉ። ኣብ መንጎኦም ዉልቃዊ ረብሓይ ዝወለዶ ምጥምማጥ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋሃደ ይቕፅል ከም ዘሎ። እቶም ግዳያት ምስ ምንጭታትና ካብ ዝገበርዎ ዝርርብ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣