ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ካብ 12 ክሳብ 18
ጥሪ 2005 ዓ.ም ብርሃኑ ብዝተብሃለ ናይ ወረዳ ጓጉሳ ሓላፊ ግብርና ዝቐረበ ኣስገዳድ ናይ ማይን ሓመድን ዕቀባ መደብ። ነባሪ
ህዝቢ ከም ዘይተቐበሎን ከም ዝተቓወሞን ካብ ኣባላት ምምሕዳር ቀበሌ ቅዳመሀጃ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወረዳ ኣንከሻ ናይ
ተፈጥሮ ሃፍቲ ሓለዋ ማይን ሓመድን ዕቀባ። ካብ 10 ጥሪ ጀሚሩ ንሰለስተ ማዓልቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ብተቃዉሞ ህዝቢ
ብዘይፍረ ኣብ ፍርቂ ማዓልቲ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣
እቲ ብሓላፊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጌታዮ ሁነኝ ኣብ
ዝተመርሐ ኣኼባ ሒዝዎ ኣብ ዝቐረበ ኣጀንዳታት። ዕቀባ ማይን ሓመድን ክግበርን ናይ መረፃ ካርዲ ክወስድ ከም ዘለዎ ምስ ቀረበ
እቲ ንሰለስተ ማዓልቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ተቐባልነት ስኢኑ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣