Saturday, January 19, 2013

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


ኣብ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ  ሕፅረት ዝስተ  ፅሩይ ማይ ኣጋጢምዎም ዘሎ ከባብታት ስድስት ኪሎ፤  መነን፤ ፈረንሳይ፤ ጃን ሜዳ፤ ሽሮ ሜዳ፤ ሰሜን ማዘጋጃን ካልኦት ከባቢታትን እንትኾኑ፣ ህዝቢ ስሩሑ ገዲፉ ኣብ ኣለሻ ማይ ምውፋሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቲ ዝተረፈ  ከባቢታት እታ ከተማ  እንተኾነ’ውን ኣብ ክልተ  ሰሙን ሓደ ጊዜ ጥራሕ ማይ ቡምባ ዝረክብ እንትኾን፣ ብፍላይ  ኣብ ከባቢታት ፈረንሳይን ሽሮ ሜዳን እቲ ዝለዓለ ፀገም  ሕፅረት ማይ  ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ነበርቲ ንመፀገኒ ማይ ዝውዕል ገንዘብ  ከዋፅእ  ብኣማሓደርቲ እተን ቀበሌታት ይግደድ እኳ እንተሎ፣ ቅድም ክብል ዝተዋፀአ ገንዘብ መሕበጢ ጁባ ካድረታት ኢህወዴግ ክኸዉን ስለ ዝፀነሐ፣ ሐዚ እውን እቶም ገንዘብ ህዝቢ ዝለመዱ ኣመራርሓ  ክሳብ ዘለዉ፣ ፀገም ሓፋሽ ህዝቢ ክቕረፍ ከም ዘይኽእል ገለ ነበርቲ ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም።
 መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሕፅረት ማይ ኣብ ምቕራፍ ቁፅሪ እናደርደሩ ብክንድዚ ሚኢታዊት ዕብየት ተራእዩ ዝብልዎ ውፁእ ሓሶት ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ።  ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ከይተኣለየ እቲ ፀገም ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ወሲኾም ኣገንዚቦም።