እቶም
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽረ እንዳስላሴ ተኣሲሮም ዝነበሩ ዜጋታት ብ7ን 8ን ጥሪ 2005ዓ.ም ብክልተ ስካኒያ ዝዓነተን መኪና
ተፃዒኖም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ናብ ዝርከብ ጣፌ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ከም ዝዳጎንዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ምኽንያት
ናይቲ ምቅይያር መእሰሪ ቦታ፣ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ እሱራት ምጉዕዓዝ ኣብ ከባቢ ሴሜናዊ
ምዕራብን ምዕራብ ትግራይን ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ምልዓዓላትን ኣንፃር እቲ ስርዓት ቃልስን ስግኣት ስለ ዝፈጠረሉ ምዃኑ፣ ህዝቢ
ከተማ ሽረ ይዛረበሉ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።