Wednesday, January 23, 2013

መንግስቲ ኣብ ሃገርና ብቑዕ ምህርቲ ኣሎ ዋላ እኳ እንተበለ። ህዝቢ ግና ሽቐጣት ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም እናጠፍኡ ምዃኖም ደጋጊሙ ይገልፅ ኣሎ፣



ኣብ ኢትዮጵያ ዉሽጢ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረብ ኣቁሑት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምግጣሙ ተኸቲሉ። 15 ሚኢታዊ ዝበፀሐ ናህሪ ዋጋ ተመሊሱ ክዉስኽ እዩ ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ብምህላው ብፍላይ ኣብ መላእ ሃገር ስርናይ፤ ዘይቲ ሽኮርን ካልኦት ጠለባትን ሕፅረት ብስፍሓት ብምግጣሙ። ህዝቢ ኣብ ስግኣት ከም ዝወድቕ ጌርዎ ኣሎ፣
መፍረይቲ ባኒ እኹል ዝኾነ ስርናይ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም። ብርክት ዝበሉ መፍረይቲ ባኒ ትካላት ምስንካት ባኒ ጠጠዉ ከብሉ ይግደዱ ብምህላዎም። መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ዘይተሰመዐ ዝሃቦ መግለፂ ዝተኸታተሉ ፀብፀብቲ ከም ዝበልዎ። መንግስቲ ነታ ሃገር ዝኸዉን ብቑዕ ዉሕሉል ስርናይ ዘይትን ሽኮርን ካልኦት ምህርቲ እኽልን ከም ዘሎ ከመሓላለፎ ዝፀነሐ ወረ ካብ ምዃን ሓሊፉ እዙይ ዝበሃል ዝተወሃለለ ምህርቲ ብዘይምህላዉ። እቲ ዝረአ ዘሎ ስእነት ቀረብ ምህርትን ኣቁሑትን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ሕብረትሰብ ካልእ ሰዓቤን ከም ዘኸትል ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣
ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ በቢእዋኑ ክረአ ዝፀነሐ ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ድሌት ዝኾኑ ጠለባት መዝሚዙ። በቢቀበሊኡ ኣብ ዝርከቡ መከፋፈልቲ ናቑጣታት ብኣመሓደርትን ካድረታትን ኣብ ዝተማእኸሉ ሸቐጣት ክወስድ ዝደሊ ዜጋ መጀመርያ ካርድ መረፃ ክሕዝ። ኣይሕዝን ዝበለ ግና ዝኾነ ጠለብ ክዋሃቦ ከም ዘይብሉ መምርሒ ብምዉራዱ። ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ብስእነት ማሕበራዊ ቀረብ ተግዲዱ መሳርሒ እቲ ስርዓት ክገብርዎ ህርዲግ ይብሉ ከም ዘለዉ ዝተፈላላዩ ፀብፃባት የረድኡ፣