ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ ጐፋ ኣብ ዝርከብ ምዕራብ አባያ ወረዳ ፍሉይ ሽሙ አልገሌ ከባቢ ሺለሸኮ ሰፊሕ ናይ ፍረታት ሕርሻ ብሰንኪ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣመሓደርቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾነ ድሕሪ
ምግላፅ። በፍላይ ዋንነቱ ናይ አቶ መሐመድ መጠሎን አቶ ተቀባ መጠሎን ዝተብሃሉ ወገናት ዝኾነ ሰፊሕ
ናይ በናና ሕርሻ ብዘይ ኣግባብ ከም ተመንጠሉ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ። ናይቲ ወረዳ ኣማሓዳሪ ኣይተ ከፍያለው ቦጋለ ከምኡ እዉን ናይቲ ወረዳ ሲቪል ሰርቪስ ሓላፊ አቶ አርባ ጐጃ ዝተብሃሉ ኣብ ዝተረኸብሉ። ነቲ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬቶም ክድምሰስን ከጥፍእን ከም ዘለዎ መምርሒ ከም ዘዉረዱ ፍኖተ ነፃነት
ዝተብሃለ ሚድያ ኣብዚ ቅንያት ገሊፁ፣
ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ
ኣመልኪቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ዝኾኑ ወገናት ናብቲ ናይቲ ዞባ ኣማሓደርቲ
ብኣካል ከይዶም ብኣግባቡ ተቓዉምኦም ዘስምዑ እንትኾኑ። ናይቲ ወረዳ ዋና ኣማሓዳ አቶ አዲሱ አርባን እቶም ቅሬታ ዘስምዑ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ ሓቲቱ ቆዋሚ ኣትክልትን ፍረታትን ምጭፍጫፍ ኣግባብ ከም ዘይኮነ። ብኣፉ እኳ እንተተዛረብ ብተግባር ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ትሕዝቶ
ሓረስቶት ዘጥፍኡ ልኡዃት ስጉምቲ ክወስድ ብዘይምኽኣሉ ንተግባር እቲ ስርዓት ኣብ ምምራር ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ከም
ዝገለፆ። ብፍላይ ናይ ህዝቢ ፀገም ዘይግድሶም ገለ ገለ ናይ ወረዳን ዞባን ሰበ ስልጣን። ነቶም መሬትኩም ክትረኽቡስ ይትረፍ ንባዕልኹም እዉን ከነጥፋኣኩም ኢና
ክብሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፣