ኣብ ትሕቲ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከቡ ብፔዳ፤
ፖሊ፤ ይባብን ዘንዘልማን ካምፓሳት ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ዓመት ይማሃሩ
ዝነበሩ 95 ሚኢታዊ ካብ ተማሃሮ እስላም ነቲ ዩኒቪርሲቲ ለቒቖም
ድሕሪ ምውፀኦም። ዝተወሰኑ’ውን ነናብ ዝመፅሉ ስድርኦም ዝርከብሉ ዓዲ ምምላሶም ካብ ተማሃሮ እቲ ዩንቨርሲቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ የረድእ፣
እዞም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተማሃሮ ንቀፅሪ ዪኒቨርሲቲ ብምልቃቕ ትምህርቶም
ንምቁራፅ ክዉስኑ ዝኸኣሉ ምኽንያት። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምምሕዳር እቲ ቀፅሪ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝግበር ፀሎት ጠጠው
ክብል። ደቂ ኣንስትዮ’ውን ጂሃብ ኮነ ኒቃብ ከይኽደና ድሕሪ ምኽልካሎም ምዃኑ ተፈሊጡ፣
ሓደ ሓደ ተማሃሮ ካብ ዝሓለፈ ማዓልቲ ጀሚሮም ትምህርቲ ብምቁራፅ ተቓውመኦም ይገልፁ ዝነበሩ እንተኾነ’ውን።
ኣማሓደርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ “እቲ ትእዛዝ ካብ ላዕለዋይ አካል
ዝመፀ እዩ ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን” ዝብል ምላሽ ብምሃቦም ተማሃሮ ነቲ ቀፅሪ ለቒቖም ንኽወፁ ጌርዎም ግድን ከም ዝኾኖም
ገለ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደልዩ ተማሃሮ ንማዕኸናት ሚድያ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ካልእ ሓደ ነቲ ቀፅሪ ለቒቑ ዝወፀ ተማሃራይ ንማዕኸናት ዜና ከም ዝበሎ። ዝተወሰኑ ተማሃሮ ናብ ቤተሰቦም
ምምላሶምን ካልኦት’ውን ትኬት ኣብ ምቑራፅ ምዃኖም ምስ ገለፀ።
እዚ ድማ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናዕቢ ተማሃሮን ካልእ ክፋል ሕብረተሰብን ዘበገሶ ብምዃኑ ነቲ ስርዓት
ኣብ ከቢድ ወጥሪ ፀሚድዎ ከም ዝርከብ ገሊፁ፣