ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ቅድም ክብል
ኣብ ማልያ “ለምርጫ ብልህ ሁን” ንመረፃ በሊሕ ኩን ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምኽዳን ዝጀመሮ ናይ ኣስገዳድ
ጎስጓስ። ኣብ ከተማ ሑመራ ብዝርከቡ ብ10ታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ተቓዉሞ ገጢምዎ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብተወሳኺ ካድረታትን ኣመሓደርትን
ከተማ ሑመራ ነቶም ዕለታዊ ስራሕ ደልዮም ካብ መረበቶም ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ዜጋታት። ናብ ዝመፃእዎ ቦታ ተመሊሶም ክመርፁ
ንዘቕረብሎም ሓሳብ። ዝበዝሑ ብምቅዋሞም ካብኣቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ክእሰሩ እንከለዉ እቶም እሺ ዝበሉ ከዓ ብዋሕስ ከይዶም ኣብ
ቦትኦም ክመርፁ ብምግዳዶም። ነዚ ስዒቡ ዕግርግር ከየልዕል ተሰጊኡ ከም ዘሎ ካብቶም ግዳያት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣