እቲ ኣብ መላእ ሰራዊት ማእኸላይ
እዚ ይካየድ ኣብ ዘሎ ገምጋም ካብ ዝተልዓሉ ኣጀንዳታት። ቅድም ክብል ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ እዚ ዝረኣይዎ ወተሃደራት ንምንታይ
ይኸድዑ ኣለዉ ዝብል ኮይኑ። ብወገን ታሕተዎት ጠርነፍትን ተራ ወተሃደራትን ነቲ ጉዳይ ጠመተ ከም ዘይሃብሉ ካብ ተሳተፍቲ እቲ
ኣኼባ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ
ማእኸላይ እዚ ናይ መበል 33 ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ዝኾኑ ወታሃደር መሓመድ ዓሊን ወተሃደር ነጊሶን ዝተብሃሉ ብረት ሸይጦም
ንዓዶም ከኸዱ ተታሒዞም ኣብ ሸራሮ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ምኽንያት መሸጢ ብረቶም ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብመሰረት ዘዉፀኦ ሕጊ
ኣገልግሎት ሸዉዓት (7) ዓመት ኣብ ተግባር ብዘይ ምዉዓሉ። ኣጋጢሙ ብዘሎ ፀገም መነባብሮ ስድረኦም ክናብዩ በዘይ ምኽኣሎም
ምዃኑ ካብቲ ክፍለ ሰራዊት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ካብ 3ተ
ጥሪ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ማእኸላይ እዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ገምጋም እንትዛዘም። ኣብ
ታሕቲ ተመሳሳሊ ገምጋም ክካየድ ከም ዘለዎ መምርሒ ብምሃብ ከም እተዛዘመ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ምሕባርና ይዝከር፣