Thursday, January 24, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ኣባይ ኣብ መንጎ ፌደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ግጭት ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ፣



እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ዝተልዓለ ግጭት። ናብቲ ዝስራሕ ግድብ ኣባይ እቶም ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ክንኣቱ ኢና እንትብሉ። እቶም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ከዓ ኣይትኣትዉን ብዝብል ምስሕሓብ ዝወለዶ ነንሕድሕዶም ብብረትን ብእምንን ከም ዝተዋቅዑ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ካብ ፌደራል ፖሊስ 3 ኣባላት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዘለዉ ምስ ገልፀ። ካልኦት 3 ከዓ ቀሊል መቑሰልቲ እንተጋጥሞም ካብ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ከዓ 2 ብከቢድ ቆሲሎም ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝርከብ እንትኾን። ካልኦት 4 ከዓ ብቀሊል ከም ዝቆሰሉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና  ሓበሬታ ገሊፁ፣