Monday, January 28, 2013

ህዝቢ ጣብያ ዘላዝለ ዴሞክራስያዊ ሕትኡ ካብ ኣመሓደርቲ ላዕላይ ኣድያቦ ግቡእ መልሲ ብዘይምርካቡ ኣብ መረፃ የራኽበና ብምባል መረርቱ ይገልፅ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ትመሓደር ዘላ ጣብያ ዘላዝለ። ምምሕዳር ወረዳና ይርሕቐና ሰለ ዘሎ። ናብ ኣስገደ ፅንብላ ይቀየረልና ክብል ንዘቕረቦ ህዝባዊ ሕቶ ሓላፍነት ወሲዱ ኣወንታዊ መልሲ ዝህብ ኣካል ብምስኣኖም ይንገላትዑ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነባሪ ህዝቢ ዘላዝለ ሕትኡ ብተወከልቱ ኣቢሉ ናብ ዝምልከቶም ናይ ቀረባ ኣማሓደርቱ ኣቕሪቡ መልሲ ብዘይምርካቡ። ህዝቢ እታ ጣብያ ብጥርኑፍ ተኣኪቡ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ብምኻድ ሓዲኡ ኣፍልጡና ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ። ዝምልከቶም ኣካላት ዝብትኑ ፖላዊስ እኳ እንተላኣኹሎም። እቲ ህዝቢ ምሳኹም ዘራኽብ የብልናን ዝሓተትናዮ ሕቶ ብዝምልከቶ ኣካል ግቡእ መልሲ ይወሃበና ኢና ንብል ዘለና ክብሉ ነቶም ፖሊስ ብድፍረት ዉሕሉል መልሲ ድሕሪ ምሃቦም። ምስቲ ስርዓት ግና ኣብ መረፃ የራኽበና ክብሉ ኣብቲ ምምሕዳር ዘለዎም ፅልኣት ምግላፆም ተፈሊጡ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ መነባብሮ ከቢድዎ ዘሎ እንትኾን። ብፍላይ ከዓ ኣብ ገለ ገለ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ዘይቲ ብልዒ ካብ ዘይርእይ ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ወኪላት ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ ስርዓት መረፃ ካርድ ዉሰዱ ኣብ ዝብልሉ ግዜ። ንዘይቲ ብልዒ ዘየማሓደርኩም ህዝብን ሃገርን ከተማሓድሩ ብቕዓት የብልኩምን ይብልዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣