ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዞባ ማእኸል ትግራይ
ከተማ ኣኽሱም ከባቢኣን ካብ ዝርከባ ዓድታት። 5 ሽሕ ዜጋታት ጥራሕ ካርድ መረፃ ብምዉሳዶም። ካድረታት እቲ ክልል ናይ ቀፃሊ
ናይ ስልጣን ዕድሚኦም ኣብ ስግኣት ከምዘሎ መርኣያ ምዃኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣገንዚቡ፣
እዚ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ኣጋጢሙ ዘሎ
ዋሕዲ ምዝገባ ካርድ መረፃ ምዉሳድ ንቐፃሊ ህልዉና ስልጣኖም ስግኣት ብምዃኑ። ብኡ ኣቢሉ እዉን ንዉድቀቶም ዘሳልጥ
ብምዃኑ። ተወከልቲ ክልል ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ከካይድዎ ዝሓስብዎ ጎስጓስ ብህዝቢ ተቐባልነት
ብዘይምርካቡ ፈሺሎም ምምላሶም ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዞባ ማእኸል
ትግራይ ህዝቢ ቴምቤን ናይ መረፃ ካርድ ብዘይምዉሳዱ። ይግበረሉ ንዘሎ ፀቕጢታት ሓያል ተቓዉሞ ኣብ ምክያድ ከም ዘሎ ካብ ከተማ
ዓብይ ዓዲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽረ ንዝርከቡ ተምሃሮ
ካርድ መረፃ ተዘይውሲዶም። ክፍተኑ ከም ዘይኽእሉን ካልኦት ጠለባት’ዉን ከም ዘይረኽቡ ከም ዝተነገሮም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን’ውን ናይ ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ናይ መረፃ ከርድ ይወስዱ
ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣