ኣብ ከተማ ዉቕሮ-ማራይ ንግሎባል ተባሂሉ ዝመፀ
100 ኩንታል ፊኖን 60 ኩንታል መዳበርያን ሸይጡ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ዘዉዓለ ቀሺ ሓድሽ ገ/ዋህድ ዝተብሃለ ምምሕዳር።
ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ ቀረብ ሸይጡ ንዉልቀ ጣጥኡ ከም ዘዉዓሎ ህዝቢ ተከታቲሉ ሰለ ዝፈለጦ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወረ እቲ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሸራሮ ሰራሕተኛ ግብርና
ዝኾነ ሚኪኤለ ተስፋሁነይ ዝተበሃለ ምስ ናይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣማሓደርቲ ብምሽራኽ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ 300 ኩንታል
ስርናይ ናብ ዓዲ ሃገራይ ብምውሳድ ሸይጡ ንውልቀ ረብሕኡ ከምዘውዓሎ ካብታ ወርዳ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ኣብ ግዕዝይና
ዝጠሓለ ውልቀ ሰብ ምስቶም ንህዝቢ እንተይኮነስ ኣብ ውልቀ
ረብሐኦም ጠጠው ዝበሉ ፀረ-ህዝቢ ኣማሓደርቲ ወያነ-ማሌሊት ነቲ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ከምልጥ ዘይከኣለ ውልቀ-ሰብ ኣብ’ቲ መሸጣ
ስርናይ ኢድ ስለ ዘለዎም ምስ ተኣሰረ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ
ብምውፃኡ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ሽረ ካብ ከልል ብዝመፁ ካድረታት ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ገንዘብ
ህዝቢ ዝበልዐ ሓላፊ ስልጣን ከውሰኽ እንበር ብሕጊ ከምዘይሕተት እቲ ህዝቢ ከም ዝገለፀሎም ገልፅና ምንባርና ይዝከር፣