Monday, January 28, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ብካድረታት እቲ ከበቢ ናይ ፅሬት ገምጋም ብዝብል ኣብ ህዝቢ ብዝግበር ዘሎ ገምጋም። ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ነበር ዘነፃፀረ ምዃኑ ተሓቢሩ፣

እቲ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝተካየደ ምስሉይ ገምጋም ንላዕለዎት ካድረታት በብደረጅኡ ንዘለዉ ሓለፍቲ ዝምልከት ዘይኮነስ። ኣብ ዉልቃዊ ስርሖም እናስርሑ መነባብርኦም ኣብ ምምራሕ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወገናት ዝጠመተን። ብፍላይ ከዓ ንተጋደልቲ ነበር ህወሓት ምስ ተቓወምቲ ርክባት ኣለኩም ብዝብል ምስምስ። ቅድም ክብል ንነብሶም መከላኸሊ ተባሂሉ ዝተዉሃቦም ሽጉጥ። ከረክቡ ይግበር ከም ዘሎ ካብ ከተማ ሸራሮ ዝተርኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። በረኸት ዝተብሃለን ካልእ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተገለፀን ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኩምን ፀረ ዉድብናን መንግስትናን ትንቐሳቀሱ ኣለኹም ብዝብል። ዓጢቐምዎ  ዝፀንሑ ሽጉጥ ከም ዝተሓደጉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እዚ ከዓ ህወሓትን ህዝብን ናብ ዝበኣሰ ኣፈላላይ ኣትዮም ከም ዘለዉን ዘግሃደ ምዃኑ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ብሰፊሑ ዘዉገዓሉ ዘሎ ዛዕባ ምዃኑ ተሓቢሩ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ። ብኣማሓዳሪ ከተማ ሸራሮ ጥላሁን በርሀ  ብዝወረደ መመርሒ መሰረት። ዝኾነ ነባሪ እታ ከተማ ናይ መረፃ ካርዲ እንድሕር ዘይሒዙ  ሕክምና ከይረክብን ንዕለታዊ ምግቢ ዘገልግሉ ከም ሽኮር፤ ዘይትን ካልኦት ጠለባትን ከይረክብ ተኸልኪሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣