Saturday, January 19, 2013

ኣብ ዉቕሮ ክልተ ኣዉዕላሎ ኣብ ዝተኻየደ ንሰብ ሞያ ጥዕና ስልጠና ዝምልከት፣ ትምህርቲ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝበልዎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕማማት ክከላኸል ግንዛብኡ ክዓቢ ከም ዘይተገብረ ኣቃሊዖም።

ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ሓለፍቲ ጥዕና ስቪል ሰርቪስን ወገሐ ፀብሐ ህዝቢ ትግራይ ብኣሃዝ ጥራሕ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ጥዕና ፓኬጅ ተሓቂፉ ጥዕንኡ የዉሕስ ኣሎ እናበሉ ህዝቢ ከደንቕሩ ይስማዕ እኳ እንተኾነ፣ ናይ 46 ወረዳታት ትግራይ ጥዕና ኬላ ሓለፍትን ምክትላቶምን ከኣ ህዝቢ ኣብ ጥዕና ግንዛበ ከጥሪ ከም ዘይተገብረ ምዝራቦም ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ከተማ ወቕሮ ክልተ ኣዉላዕሎ ዝተካየደ  ኣባዲ ዝተብሃለ ዝርከቦም ሓሙሽተ ኣባላት ጥዕና ስቪል ሰርቪስ ትግራይ  ዝመርሕዎ ዘለዉ ኮይኑ። እቲ ኣኼባ ኣብ ክልተ ቦታ ተኸፊሉ ኣብ ተስፋይ ሆቴልን ፍስሃ ሆቴልን ኣብ ዝበሃሉ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ፀገማት እናልዓለ ዝዛረብ’ምበር ፍታሕ ዘምፅእ ከም ዘይኮነ ይንገረሉ ኣሎ።

ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ሕፅረት መሳርሒ ሕክምና  መድሓኒትን ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ከዓ ብዝበኣሰ ህዝቢ ዘማርረሉ ዘሎ ዛዕባ ምዃኑ፤ እቶም ወኪላት ጥዕና ኬላ ወረዳታት ምግላፆም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዝዝረበሉ ፀገማት ድሕሪ እቲ ኣኼባ ዝኾነ በዓል ስልጣን ክልል ቁሊሕ ኢሉ ዘይርኦ ምዃኑ ካብ ሕሉፋት ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ ኣኼባታት እኹል ግንዛብ ሒዞም ከም ዝፀንሑ ገለ ወገናት  ተወከልቲ ወረዳ ይዛረብሉ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ የረድእ።