Wednesday, January 23, 2013

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ዞባ ቦረና ንዕጡቓት ሚልሻ ወያነ መሰልጠኒ ዝውዕል ገንዘብ ከዋፅኡ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይግደዱ ከም ዘለው ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ካድረታት ወያነ ንመሰልጠኒ ዕጡቛት ምኽንያት ብምግባር ሕድ ሕድ ነባሪ ልዕሊ 70 ብር ከዋፃእ ይገደድ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ነበርቲ ዞባ ቦረና ዝኾኑ ሚልሻ ግን ተመሊሶም ንዘጋፍዑና ወተሃደራት ወያነ ገንዘብ ኣይነዋፅእን ክብሉ ብኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ንዝወረደ መምርሒ ከም ዝተቓወምዎ‘ቶም ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
     ከም ዝፍለጥ ሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ንነበርቲ ቦረና እናፈናቐሉ ልሙዑ ናይ ሕርሻ መሬት እቲ ከባቢ ንባዕዳውያን ኢንቨስተራት ክሸጥዎ ምፅንሖም ይዝከር፣